ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ምግምማዕ ንገስጋስ ዴሞክራስያዊ ለውጢ የናውሖ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ዝተፈላለየ ውድባትን ደምበታትን በብእዋኑ ዝርአ ምግምማዕን ምፍንጫላትን፣ ንሓድነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ደሞክርስያዊ ለውጢ ክህሉ ዝምነዩን ዝጽዕሩን ኤርትራውያን የማህምኖ ከምዘሎ ዝገለጹ ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጸ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ብፍላይ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ካብቶም ብ ግዳም ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ዝነበሮ ተስፋ እናተዳኸመ ከምዝመጸ’ዩ ኣረዲኡ።

 

እቲ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ሓድነት ዘይብሉ ደምበ ተቓውሞ፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክርስያዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይክኣል’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ደምበ ተቓውሞ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝጭበጥ ለውጢ ከምዝጽእ ዘይክኣለሉ ምኽንያት’ውን እቲ በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ምግምማዕን ምፍንጫላትን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ዝተፈላለየ ኣስማት ዘለወን ልዕሊ 15 ዝኾና ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን፣ ኣብ ሓደ ሓቢረን ንሓደ ራኢን ዕላማን ክሳብ ዘይሰመራ፣ እቲ ንቃለሰሉ ኣለና ዝብልኦ ዘለዋ ምስርሕ ሸትኡ ክሃርም ከምዘይክእል ኣገንዚቡ።

ፖለቲካዊ ብዝሑነት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፣ ኩለን ብሄራትን ኣካላት ሕብረትሰብን ዘየሓቖፈ ሰልፊ ወይ ውድብ ግና፣ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ከምጽእ ዘይኮነ ካልእ ዝበኣሰ ሳዕቤን’ዩ ከምጽእ ዝበለ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብ መወዳእታ ብፍላይ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈላልዮ ዝኽእል ናይ ብሄርን ኣውራጅን ጉዳይ ኣልዩ፣ ናብ ሓደ ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ከቛምትን ተማሕጺኑ።

ብመንእሰያት ተበጋጊሱ ዘሎ ምንቕስቓስ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ብዙሕ ተስፋ ዝግብረሉ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ናይ መንእሰያት ምንቕቓስ’ውን ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ውድባትን ሰልፍታትን ምግምማዕትን ምክፍፋልን የጋጥሞ ከምዘሎ ብምጥቃስ ድማ እዚ ንህላዌ ሓደን ስሙርን ምንቕስቓስ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ዘማህምን’ዩ ክብል ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ምግምማዕ ድማ ነቲ ስልጣን ብሒቱ ክነብር ዝደሊ እንኮን ዓብላልን ውድብ ህግደፍ ስልጣኑ ኣጣጢሑ ክዕትዕት ምቹእ ባይታ ከምዝፈጥረሉ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከስተብህለሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0