ኣብ የመን፣ ብሰንኪ ሸሮኽ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: 25 October 2016

Yemen Cholera

ኣብ የመን፣ ሸሮኽ (ኮሌራ) ኣማኢት ሰባት ከምዘጥቅዐ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ሕማም ምቁጽጻር ናይ ህጹጽ እዋን ከምዝተኣወጀ ጋዜጣ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ሓቢራ።

ኣብታ ሃገር፣ በቲ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሸሮኽ፣ 644 ሰባት ከምዝተጠቕዑን ብውሕዱ 10 ከኣ ከምዝሞቱን ዘረጋገጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ እቲ ሕማም ከይስፋሕፍሕ ንምግትኡ ኣብ ዝውሰድ ስጉምታት፣ ኣብ ጎኒ ሚኒስትሪ ጥዕና የመን ብምዃን ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

19 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ግጭት የመን፣ ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ንዝካየድ ጻዕሪ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ብሰንኪ ርስሓት ከባቢን ጽሬቱ ዘይሓለወ መግብን ማይን ዝስዕብ ሸሮኽ፣ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ከምዝተቐላቐለ’ዩ ክግለጽ ወሪሑ።

እቲ ሕማም ኣብ ኤርትራ’ውን ሰባት የጥቅዕ ከምዘሎ ይሕበር እኳ እንተነበረ፣ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ምግላጹ ይዝከር።

ኣፈኛ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ብ29 መስከረም ናብ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ ምስ ኤርትራ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዶባት ኢትዮጵያ ግና እቲ ሕማም ከምዝተቐልቀለ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፣ እቲ ሕማም ናብ ኤርትራ ከይላባዕ፣ ቅድመ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ’ውን እቲ ውድብ ኣብ መልእኽቱ ይጠቅስ።

ጨንፈር ጋሽ ባርካ ናይቲ ሚኒስትሪ፣ ብዛዕባ’ቲ ሕማም ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ እኳ እንተዘየውጽአ፣ ከም ውጽኣት፣ ዓሶን ካልእን ዝኣመሰለ ብሰንኪ ርስሓት መግብን ኣከባብን ዝመሓላለፍ ሕማማት ብዝምልከት ንህዝቢ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣስተምህሮ ከምዝሃበ ኣይርሳዕን።

ሸሮኽ ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላን ካልእ ከባቢታት ምብራቕን፣ ከምዝተራእየ’ዩ ዝግለጽ።

ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ሸሮኽ፣ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ካብ ፍኑው ምንቅስቓስ ተሰናኺሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ንቡር ተመሊሱ ይርከብ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0