‘ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ደርቂ 3 ሚልዮን ጥሪት ሞይተን’

Radio Erena: 29 April 2022

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተነግረሉ ደርቂ ንምምካት፣ መወልቲ 1.4 ቢልዮን ዶላር ከምዝተመባጽዑ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣተንቢሁ።

ኣብዚ ዞባ፣ ኵናትን ኣብ ወቕቱ ዝጠለመ ዝናብ ዝፈጠሮ ደርቂን፣ ንሓደጋ ጥሜት ናይ ዝተቓለዐ ብዝሒ ህዝቢ ብድምር ልዕሊ 20 ሚልዮን ምዃኑ ‘ዩ ዝሕበር።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን ኣስታት 15 ሚልዮን ህዝቢ፣ ብሰንኪ ደርቂ ተጸባዩ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ፣ እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ብ26 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣነጺሩ።

ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብዚኣቶም ህጻናት ‘ዮም።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ብሰንኪ’ቲ ደርቂ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ፣ ዝብላዕን ዝስተን ንኽምእርር ካብ ቤቱ ከምዝተመዛበለን፣ ዛጊት ልዕሊ 3 ሚልዮን ከብትን ጤሌበጊዕን ከምኡ’ውን ከም ኣእድጉን ኣግማልን ዝኣመሰለኡ መጽዓኛን ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዝቕጽል ኣዋርሕ፣ ናብቲ ብደርቂ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢታት ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ፣ ንሞት ዝቃልዑ ሰባትን ተወሰኽቲ ጥሪትን ክህልዉ ከምዝኽእሉ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሪካ፣ ነዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንምምካት፣ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ኣበርኪታ ከምዘላ፣ ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ነድ ፕራስ ንማዕከናት ዜና ኣረጋጊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽትን’ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ከበርክቱ ትጽቢት ኣሎ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0