ኣብ ዞባታት ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፣ ግራውቶም ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝተጠቕዐ ስድራቤታት ሓገዝ ይጽበዩ

Radio Erena: 04 June 2020

ኣብ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ኣብ ዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ብዝያዳ ዝተሃስየ ዞባታት ኤርትራ፣ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ’ዩ።

ኣብዚ ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ብዙሕ ግራውትን ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬትን ካብ ምብዳም እኳ ክድሕን እንተኸኣለ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ሓረስቶት ግና ተጸበይቲ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ።

ውድብ መግብን ሕርሻን ካብ መንግስቲ ጀርመን ዝረኸቦ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ህጹጽ ሓገዝ፣ ኣብቲ ዞባታት ንዝርከቡ ኣስታት 3500 ስድራቤታት፣ እኽሊ፣ ምሩጽ ዘርኢ፣ ቀለብ እንስሳታትን ዝተፈላለየ ናውቲ ማሕረስን ከዳልወሎም ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት ሕርሻ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ዝተኣወጀ ኣብ ኣባይቲ ምዕጻው፣ ንሓያሎ ስድራቤታት እዚ ዞባ’ውን ግዳያት ማሕበራዊ ሕሰም ጌሩወን ከምዘሎ’ዩ በብእዋኑ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ቀረባ ድማ፣ ተወለድቲ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾኑ ወገናት ብዘቕርብዎ ዘለዉ ጥርዓናት፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመርኮሰ ህወይት ዝነበሮም ዜጋታት፣ ብሰንኪ እዚ ኣዋጅ፣ ንጥሜትን ናይ መነባብሮ ጸገም ተቓሊዕም ከምዘለዉ የመልክቱ።

መንግስቲ፣ ንሓያሎ ስድራቤታት ክልተ ኪሎ ሓርጭን ኪሎን ፈረቓን ሽኮርን ብመልክዕ ረዲኤት እኳ እንተቐረበለን፣ ኣብዚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ግና ካብ ናይ መነባብሮ ጸገም ክገላግሎም ከምዘይክእል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የቃልዑ።

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ድሕሪ ዝተኣወጀ ምዕጻው፣ ኣዝየን ብዙሓት ስድራቤታት ንስእነትን ጥሜትን ተቓሊዐን ይርከባ።

ህዝቢ በብዝኽእሎ ንጎረባብቱ ይሕግዝ እኳ እንተሎ፣ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይንዎ ምህላዉ’ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዝጠቅስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0