ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽል

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽል

Radio Erena: 24 March 2019

ንፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጸወዐ ሰላማዊ ሰልፍታት ብሓሙስ እውን ቀጺሉ ከምዝወዓለ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ብማሕበር ሞያውያን’ታ ሃገር ዝተወደበ ሙዃኑ ይግለጽ። እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ሱሩ ክመሓውን ብሰበስልጣናቱ ዝተፈጸሙ ገበናት መርመራ ክግበረሎምን ጸዊዑ።

እዚ ኣብ ከተማታት ኣልዖቢድ፣ ፖርት ሱዳን፣ ከሰላ፣ ገዳርፍ፣ መዳኒን ካልኦትን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፣ ብኣንጻር’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝሃቡዎ ጎነጻዊ ምላሽ፣ ዓቕልን ትሕትናን ከምዘርኣዩ ተሓቢሩ።

ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሱዳን፣ ሓይልታት ጸጥታ ዝያዳ ሓይሊ ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን፣ ህዝቢ ብዝያዳ ከምዝነሃሃር ይገብሩ ስለዘለዉ፣ ሰልፈኛታት ካብ ምጉዳእ ክቑጠቡ ብመንግስቲ መምርሒ ስለዝተዋህቦም’ዩ ክብሉ እንከለዉ፣ ተቓወምቲ ውድባት ብወገኖም፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንዑደት ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ኣብታ ሃገር ብምጥቃም፣ ዘይናቱ ስእሊ ንምሃብ ዝወጠኖ’ዩ ክብሉ ይገልጹ።

ህዝባዊ ምልዕዓል ሱዳን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ካብ ዝጅምር ብውሑዱ 50 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂሰብ እታ ሃገር ይገልጹ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0