ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንግዳያት ባሕሪ ናይ ዝኽሪ መደባት የካይዱ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንግዳያት ባሕሪ ናይ ዝኽሪ መደባት የካይዱ

Radio Erena: 14 June 2016

Remembering

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቶም ኣብ ጽባሕ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝኽሪ የካይዱ ኣለዉ።

በዚ መሰረት፣ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ነቶም ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሓለፈ ኤርትራውያን ብምዝካር፣ ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ፡ ከባቢ ለቪንስኪ ፓርክ፡ ብብቀዳም 11 ሰነ ጸሎተ-ፍትሓት ተኻይድሎም።

ኣብቲ ካብ ንግሆ ሰዓት 6 ኣትሒዙ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ዝተኻየድ ናይ ዝኽርን ጸሎተ-ፍትሓትን መደብ፣ ስድራቤታት እቶም ግዳያት ዝርከብዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ተሳቲፎም።

 

መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ንስድራቤታት እቶም ግዳያትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ መጸናንዒ ቃልን መልእኽትን ኣመሓላሊፎም።

ድሕሪ’ቲ ናይ ጸሎተ-ፍትሓ መደብ፣ ኤርትራውያን ኣዴታትን ደቂንስትዮን ንሰዓታት ዝቐጸለ ፍሉይ ምህለላን ጸሎትን ከምዘዕረጋ’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

ዝኽሪ ግዳያት ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይቕጽል ምህላዉ’ውን ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

በንጻር እዚ ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን፣ ኣገልገልቲ እቲ ስርዓት ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ነቶም ሳዕስዒት፣ ጓይላን ሆይሆትያን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋናት መዓልቲ ናጽነት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ህጻናት ኣዴታትን መንእሰያትን ዝርከቦም ኣማኢት ኤርትራውያን ወግዓዊ ዝኽሪ ይኹን ብሃገር ደረጃ ጸሎተ ፍትሓት ኣየካየዱን።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0