ኣብ ዓመተ 2021 ብደረጃ ዓለም 45 ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ

Radio Erena: 03 January 2022

ኣብዛ ዝዛዘምናያ ዓመተ 2021 ብደረጃ ዓለም 45 ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

እዚ ቁጽሪ’ዚ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፣ ዝወሓደ እዩ ኔሩ።

ብመሰረት’ቲ ኣህጉራዊ ትካል ዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ትሽዓተ፣ ኣብ መክሲኮ ሸሞንተ፣ ኣርባዕተ ኣብ ህንዲ፣ ሰለስተ ከኣ ኣብ ፓኪስታን ብምሟቶም ብደረጃ ሃገር እተን ሰለስተ ቀዳሞት ንጋዜጠኛታት ሓደጋ ዘለወን ሃገራት ብምባል ተሰምየን።

ኣብ 2021 ሞት ጋዜጠኛታት ብርኡይ ክጎድል ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19፣ ጋዜጠኛታት ኣብ ባይታ ፍጻሜ ተረኺቦም ክጽብጽቡ ብዘይምኽኣሎም ምዃኑ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ገሊጹ።

እንተኾነ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ንናጽነት ፕረስ ዘይጻወራ ሃገራት፣ ዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ገና ኣብ ማሕዩር ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ከም ኩሉ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፣ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ብዘይ ክስን ፍርድን፣ ገና ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተሓዪሮም ምህላዎም ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ጉዳይ’ዩ።

ብኻልእ ወገን ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ከምዘሎ፣ ኣብ ዓመተ 2021 ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ናብ 293 ክብ ብምባሉ፣ እታ ዓመት ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላ ዓመት እያ ክብል ኣፍሊጡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0