ኣብ ው.ሕ.ሃ. ንጉዳይ ደቀንስትዮ ኤርትራ ብዝምልከት ሓያሎ ሕቶታት ቀሪቡ

Radio Erena: 16 February 2020

መበል 75 ዋዕላ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ምግሃስ መሰላት ደቀንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ንጉዳይ ደቀንስትዮ ኤርትራ ብዝምልከት ሓያሎ ሕቶታት ቀሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ብዘይካ ንኤርትራ፣ ንላትቪያ፣ ፓኪስታንን ዚምባብወን ብዝምልከት እውን ዘተ ከምዝተኻየደሉ፣ ካብታ ከተማ ዝተመዓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ንጉዳይ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብዝምልከት፣ ኣደ መንበር ሃማደኤ ድሕሪ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ልዕሊ 20 ሕቶታት ካብ ወከልቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ተሳተፍቲ ቀሪቡ።

ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺበን ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዝኣወጆ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብፍላይ ኣብ ደቀንስትዮ ኣውሪዱዎ ዘሎ በደላት፣ ክሳብ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝበጽሕ ኣመልኪተን።

መንግስቲ ኤርትራ ንሓፈሻዊ ውዕላት ማዕርነት ደቀንስትዮ፣ መሰላተንን ዕድላተንን ንምርግጋጽ ዝወሰዶ ተበግሶ እንተሎ መርትዖ ከቕርብ፣ ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ኣደራዕ ንምክልኻሉ፣ ዝጸደቐ ሕግታት እንተሎ፣ ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ ዝተወስደሎም ስጉምትን ዝኣመሰሉ ካልእ ሕቶታትን ቀሪቡ።

እንተኾነ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብቑዕ ምላሽ ስለዘየዳለዋ ነቲ ዝቐረበ መግለጺታትን መረጋገጺን ዝጠልብ ሕቶታት ክብድሆኦ ከምዘይከኣላ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነት ነጻ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፣ ብቐንዱ ነቲ መንግስቲ ከገልግል ዝቖመ ማሕበር’ዩ ብምባል ሓያሎ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ እቲ ማሕበር ከምዘይውክለን ይገልጻ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0