ኣብ ወደብ ጅቡቲ፣ 5 ኩንታል ሓሺሽ ተታሒዙ

Radio Erena: 06 January 2016

Cocaine

ምስ ፊኖ ተሓዊሱ፣ ዝተጻዕነ 5 ኩንታል ሓሺሽ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝተታሕዘ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ምስ ክሻታት ፊኖ ተመሳሲሉ ካብ ብራዚል ዝተጻዕነ ‘ኮኬይን’ ዝዓይነቱ ሓሺሽ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ እናተራገፈ እንከሎ’ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ።

ዋጋ’ቲ 500 ኪሎ ወይ ከኣ 5 ኩንታል ዝምዘን ኮኬይን 5.62 ሚልዮን ዶላር ተገሚቱ።

ኣብ ታሪኽ ጅቡቲ፣ እዚ እቲ ዝበዝሐ ብፖሊስ ዝተታሕዘ ሓሺሽ’ዩ።

ናበየነይቲ ሃገር ዝቐንዐ ምንባሩ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ናብ ሃገራት ዓረብን ካልኦት ጎረባብትን ንምስግጋር ዝተላእከ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ካብታ ሃገር ይእምቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0