ኣብ ኬንያ ግጥማት ሴካፋ እትሳተፍ ዘላ ሃ.ጋ.ኤርትራ ካብ ውጽኢታ ንላዕሊ ህድማ ተጻወቲ ከያጋጥማ የሻቕል

ኣብ ኬንያ ኣብ ግጥማት ሴካፋ እትሳተፍ ዘላ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ተዕእዊታ ዋንፃ ክትዓትር ትኽእል’ያ ካብ ዝብል ንላዕሊ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋናት ህድማ ተጻወቲ የጋጥማ ዶ ኣይፋሉን ዝብል ጉዳይ ኣብ ተኸታተልቲ ስፖርት ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዑመር ኣሕመድ ድማ ተጻወታ ዑቕባ ንምሕታት ዘይኮነ ዋንጫ ሴካፋ ንምዕታር ከምዘቛምቱ ይገልጽ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ህድማ ተጻወቲ የሰክፈኩም ድዩ ንዝብል ካብ ማዕከናት ዜና ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ’ዩ።

 

ኣብ ዞባዊ ግጥማት ካብ ዝተሳተፉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ 2009 ኣብ ኬንያ፣ 12፣ ኣብ 2011 ኣብ ታንዛንያ 13 ኣብ 2012 ድማ ኣብ ኡጋንዳ 17 ብድምር 42 ተጻወቲ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዑቕባ ንምሕታት ኣብተን ሃገራት ከምዝተረፉ ኣይርሳዕን።

ዳርጋ ብምሉኦም ድማ ኣብ ኣውስትራልያን ሆላንዳን ዑቕባ ከምዝተዋህቦም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ሓድሽ ህወይት ዝጀመሩ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ምስ ክለባት ናይታ ሃገር ተጸንቢሮም ዝንኣድ ምንቕስቓስ የርእዩ ምህላዎም በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እዛ ሕጂ ኣብ ኬንያ እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ድማ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ዝኾኑ ተጻወታ ኣብ ሱዳን የመንን ካልኦት ሃገራትን ብፕሮፌሽናል ዝጻወቱ ብምዃኖም ህድማ ተጻወቲ ከውሕድ ይኽእል’ዩ ዝብል ትንታነታት ይወሃቦ።

እንተኾነ፣ ህድማ ተጻወቲ ሕጂ ዘይኮነ፣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዋ ግጥማት ዛዚማ ናብ ኤርትራ ንምፍናው ኣብ እትቃረበሉ እዋን’ዩ ካጋጥም ዝኽእል ክብሉ ዝገለጹ’ውን ኣይተሳእኑን።

ሓደ ሜጀረ ጀነራል፣ ክልተ ብርጋዴር ጀነራልን ብርክት ዝበሉ ኮለነላት፣ ሜጀራትን ካፕቴናትን ዘመሓድርዎ ስፖርት ኮሚሽን ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ፈደርሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ እቲ ብህድማ ምኩራት ተጻወቲ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስየ ጽላታታ ኤርትራ’ዩ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0