ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ዊኒዌግ፣ 700 ኤርትራውያን ተጣይሶም

Radio Erena: 02 November 2016

Canada

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ዊኒፔግ ዑቕባ ካብ ዝተዋህቦም 1000 ስደተኛታት፣ እቶም 700 ኤርትራውያን ምዃኖም ንክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ካናዳ cbc ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና ነዚ ዘፍለጠ፣ ካብ ሱዳን ዝተጣየሳ ኤርትራውያን ስድራቤታት ብሰኑይ 31 ጥቅምቲ ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተዋሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ካናዳ፣ ብመንግስቲ ኣብ ዝተመወለ ናይ ውልቂ ስንፖንሰርሽብ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዘጣይሳ ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝእትስራዕ ዝሓበረ ዳይረክተር ክፍሊ ስደተኛታት ቶም ደንቶን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ ከተማ ዊኒፔግ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ እቶም 70 ሚእታዊት ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ እቶም 22 ሚእታዊት ከኣ ሶማላውያን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 ካናዳ ክሳብ መጋቢት 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 1700 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ከተጣይስ መደብ ከምዘለዋ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

እታ ሃገር ክሳብ መጀመርያ ናይዚ ዝመጽእ ዓመት፣ ኣስታት 3500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናይ ምጥያስ መስርሕ ብዘውጽኣቶ መሰረት እቶም 1750 ድሮ ናብታ ሃገር ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 1700 ከኣ በብዕለቱ ካናዳ ክኣትዉ’ዮም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0