ኣብ ካምፓላ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ከምዝወጠነ ዝተጠርተረ ሶማላዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ካምፓላ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ከምዝወጠነ ዝተጠርተረ ሶማላዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

Radio Erena: 13 June, 2014

Uga

ፖሊስ ኡጋንዳ፡ ዓብዱራሕማን ዓብደላ ሳልሕ ንዝተባህለ፡ ሶማላያዊ ጥርጡር ኣባል ግብረሽበራዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ፡ ሬድ-ፔፐር ዝተባህለት ኣብ’ታ ሃገር እትሕተም ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ ሓሙስ 12 ሰነ ሕታማ ኣስፊራ።

ፖሊስ ኡጋንዳ ነዚ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከእትዎ ዝኸኣለ፡ ካብ ወነንቲ እቲ ጥርጡር የዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ብመሰረት ዝረኸቦ ሓበሬታ እዩ።

እቶም ወነንቲ ማኪንድየ ሃውስ ዝተባህለ ሆቴል ንፖሊስ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ጥርጡር ንመንነቱ ዘረጋግጽ ፓስፖርት ንኸቅርብ ንዘቕረብሉ ሕቶ፡ ኩሉ ሰነዳቱ ኣብ ውሽጢ ሳንጥኡ ኣብ ትራንሲት ከምዘሎን ኣብ ሓጺር እዋን ድማ፡ ኣብ ኢዱ ክኣቱ ምዃኑን ከምዝነገሮም፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ዘይንቡር ኣካይዳን ባህርያትን ስለዝረኣይሉ፡ ንፖሊስ ከመልክቱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም።

 

ዓብዱራሕማን ብወገኑ፡ ብፖሊስ መንነቱ ዝሕበር ሰነድ ንኸቕርብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብ ካምፓላ ኣብ ሉባጋ ሮድ ዝተባህለ ቦታ ከምዝሓደጎ ብምግላጹ፡ እዚ ድማ፡ ምስ’ቲ ነቶም ወነንቲ ሆቴል ዝሃቦ ቃል ስለዝገራጮ፡ ካብ’ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብመንገዲ ኬንያ ናብታ ሃገር ዝሰሎኹ፡ ኣባላት ግብረሽበራዊ ውድብ ኣልሸባብ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ ንዝብል ጥርጣረ ፖሊስ ኡጋንዳ ዘራጉድ እዩ።

ኣልሸባብ ኣብ 2010 ኣብ ክልተ ቦታታት ካምፓላ፡ ኣብ ልዕሊ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብዘካየዶ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ግበረ ሽበራ፡ 7 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 74 ሰባት ከምዝቐተለን፡ ኣብ’ዚ እዚ ሶማልያዊ ጥርጡር ዝተታሕዘሉ ሆቴል ዘጸዋዶ ነታጒ ግን፡ ዕላምኡ ከይሃረመ ብፖሊስ ኡጋንዳ ከምዝመኸነ ይዝከር።  

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0