ኣብ ከተማ ካሌ ዘሎ ሽግር ስደተኛታት ንብሪጣንያ ዝምልከት’ዩ፣ ኒኮላ ሳርኮዚ

sarkoፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላ ሳርኮዚ፣ ኣብ ከተማ ካሌ ዘሎ ሽግር ስደተኛታት ንብሪጣንያ ዝምልከት’ዩ ክብል ከሲሱ።

ዳግማይ ናብ ስልጣን ክመጽእ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ዘካይድ ዘሎ ኒኮላ ሳርኮዚ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ግዚያዊ መጽለሊታትን ዝሓልፉዎ ዘለዉ ሕማቕ ኩነታትን፣ ነባሪ ፍታሕ ክገብረሉ ብዘይምድላዩ ከምዝተናውሐ እዩ ዝገልጽ።

 

ኒኮላ ሳርኮዚ ነቲ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ሓደ ማእከል ከፊቱ ነቶም ኣብ ዶብ ዘለዉ ስደተኛታት ንኩሎም ብምውሳድ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ብምጽራይ፣ ነቶም መሰል ዘይብሎም ናብ ሃገሮም ክትጥርዞም፣ እቶም ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎም ከኣ ክትቅበሎም ኣለዋ ኢሉ።

ብሪጣንያ፣ ነቲ ኣብ 2003 ኣብ መንጎኣን ፈረንሳን ዝተኸተመ ዶባዊ ስምምዕ ጥሒሳ ንረብሓኣ ጥራይ ብምሕሳባ’ዩ እዚ ኣብ ካሌ ዘሎ ኩነታት ስደተኛታት ተፈጢሩ ዝበለ ሳርኮዚ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ብቕጽበት ዶባቱ ብምኽፋት ነቶም ስደተኛታት ክቕበሎም ኣለዎ ኢሉ።

ተቐናቓኒኡ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳራይ ኣላን ዡፐ ብወገኑ ስምምዕ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን 2003፣ ዳግመ ግምት ስለዘድልዮ ሓድሽ ስምምዕ ክካየድ ይጠልብ።sarko 2

መንግስቲ ብሪጣንያ ብወገኑ፣ ሓለዋ ዶብ ፈረንሳን ፖሊስን፣ ነቶም ዶብ ክሰግሩ ዝሕልኑ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ክንዲ ምእታው ብተደጋጋሚ ንኽፍትኑ ናጻ ይገድፉዎም ኣለዉ ብምባል ይኸስስ።

ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓቢ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓያሎ ንስልጣን ዝወዳደሩ ፖለቲከኛታት እውን ከም መጎስጎሲ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0