ኣብ እስራኤል፣ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ኤርትራዊ ሕጻን ብሰንኪ ምዕብዓብ ሞይቱ

ኣብ እስራኤል፣ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ኤርትራዊ ሕጻን ብሰንኪ ምዕብዓብ ሞይቱ

Radio Erena: 31 March 2015

chilISR

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተኛታት መውዓል ህጻናት ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ህጻን ሰኣን ግቡእ ኣተሓሕዛ ሞይቱ።

እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ትንፋስ ተዓብዒቡ ሃለዋቱ ዘጥፍአ ህጻን፣ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስደ፣ ድሮ ህይወቱ ሓሊፋ ‘ያ ጸኒሓ።

ኣብቲ ሻብርያ ኣብ ዝተብሃለ ኣብ ደቡብ እስራኤል ዝርከብ ናይ ስደተኛታት መውዓል ህጻናት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ናይ ዝሞቱ ህጻናትቁጽሪ ሓሙሽተ በጺሑ ኣሎ።

 

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቲ ኣብ ውስጢ ሓደ ወርሒ ሓሙሽተ ህጻናታ ዝቐተለ ኩነታት እቲ ናይ ስደተኛታት መውዓሊ ህጻናት ንምክትታሉ ይኹን ንምምሕያሹ ዝወሰዶ ዝጉምቲ የለን።

ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መውዓሊ ህጻናት ኣሽሓት ኤርትራውያን ቆልዑ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስዚ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ህጻናት፣ ብፍላይ እቶም ኣብ እስራኤል ናይ ዑቕባ መሰል ዘየብሎም ኤርትራውያን ወለዲ ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም ካብ ዝብል ተሪር መርገጺ፣ ንዐኦም ኮነ ንህጻናት ደቆም ካብ መሰረታዊ መሰላት ሓሪምዎም ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0