ኣብ እስራኤልን ሃገራት ምዕራብን ዝረከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር ፖሊሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብምቅዋም ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ እስራኤልን ሃገራት ምዕራብን ዝረከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር ፖሊሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብምቅዋም ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: January 22, 2014

 

Refuu Isኣብ እስራኤልን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሎሚ 22 ጥሪ ኣብ ኣንጻር ፖሊሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ወገናቶም ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፍፍታት ብምድጋፍ’ዮም ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲታት እስራኤል ሰልፊ ንምክያድ ወሲኖም ዘለዉ።

 

እቶም ኤርትራውያን ሎሚ ኣብ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ዘለዋ ፖሊስ ከተመሓይሽ ክጽውዑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ኣብ እስራኤል መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ንራብዕቲ ዝቐጸለ ስራሕ ደው ብምባል ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም እኳ እንተሰሓበ፣ መንግስቲ እስራኤል ግና ኣብ ፖሊሲኡ ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘይገብር’ዩ ኣፍሊጡ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0