ኣብ ኤርትራ ተመሃሮ ክለዓዓሉ ጎስጒስኩም ተባሂሎም ሽዱሽተ መማህራን አብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: 17 June 2019

ኣብ ኤርትራ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ምልዕዓል ከካዪዱ ጎስጒስኩም ዝተባህሉ መማህራን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ ከምዘለዉ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ገለ መማህራን ካብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ቅድሚ 25 ግንቦት ናብ ዞባ ዓንሰባ ተጸዊዖም መርመራ ተገይሩሎም ተፈንዮም ኔሮም።

እንተኾነ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ሽዱሽተ መማህራን ‘ትድለዩ ኣለኹም’ ተባሂሎም ናብ ከረን ከምዝተወስዱ ተገሊጹ። ምስቶም መማህራን ቅርበት ዘለዎም ውልቀሰባት ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፣ 07 58 ካብ ዝጅምር ቁጽሪ ሞባይል ተደዊሉኩም፣ ተመሃሮ ከተለዓዕሉ መልእኽቲ መጽእዩኩም ዝብል ክሲ ካብቶም ዝወሰዱዎም ኣባላት ጸጥታ ከምዝተነግሮም ኣመልኪቶም።

‘ይኣክል’ ብዝብል ኣብ ወጻኢ ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝጀመረ ጎስጓስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ብፍላይ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ናዕቢ ከየካዪዱ ብምስጋእ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣካዳምያዊ ፈተና ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ኣቐዲሙ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0