ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር፣ ዝኾነ ወገን ኣብ ልዕሊ ልፍንቲ ሓይልታት ዳርፉር መጥቃዕቲ ከይፍትን ኣጠንቂቑ

Radio Erena: Thursday, 14 September 2023

ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚን ሚናዊ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ናይ ልፍንቲ ሓይልትታት ንምጥቃዕ ዝካየድ ፈተነ ናብ ዝበኣሰ ግጭት ክዓርግ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ሚሊሻታት ዘቖምዎ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ፣ በቲ ኣንጻር መንግስቲ ሰራዊት ኣብ ኵናት ተጸሚዱ ዝርከብ ፈጣን ሓይልታት መጥቃዕቲ ክካየደሎም ከምዝኽእል ‘ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

ልፍንቲ ሓይልታት ዳርፉር፣ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ወጊኖም ኢሉ ዝወቕስ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ኣጽዋር የበጻጽሑ ኣለዉ ክብል’ውን ኣጠንቂቑ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ብ11 መስከረም፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ዳርፉር፣ ሚን ሚናዊ’ውን ቕድሚኡ ኣብ ኣስመራ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት ኢስይያስ ተራኺቡ ተመያይጡ’ዩ

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር፣ ኣብ መንጎ ሚሊሻታት እቲ ዞባን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይሊን ኣብ ዝተኻየደ ግጭታት ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ኣብ ሱዳን ካብ 15 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን፣ ናብ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ልሒሙ፣ ናብ ናይ ዓሌት ግጭታት ከምዘስዓበ ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ዝተጎሃሃረ፣ ኣብ መኖ ጸለምቲ ደቀባትን ናይ ዓረብ መበቖል ዘለዎን ናይ ዓሌት ግጭት፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኤል ጀኒና ዝበኣሰ ምንባሩ፣ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ቮልከር ቱርክ ኣመልኪቱ።

ንሱ፣ ኣብቲ ብ11 መስከረም፣ ኣብ ጄኔቫ ተኸፍተ መበል 54 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ዳርፉር ካብ 2003 ክሳብ 2008 ኣብ ዝነበረ ናይ ዓሌት ግጭት፣ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 2 ሚልዮንካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉን ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም፣ ብሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሑ ዝነበሩ ሚሊሻ ጃንጃዊድ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብማርሳቢት ዝፍለጡ ጸለምቲ ደቀባት ዘርኢ ናይ ምጽናትን ካልእ ገበናትን ፈጺሞም ዝብል ክሲ ከምዝቐረበ ኣይርሳዕን።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሚሊሻ ጃንጃዊድ፣ ናብ ፈጣን ሓይሊ ድሕሪ ብምዕባዩ’ውን ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ገበናት ኵናት ከምዝፈጽመ ይውቐስ።

እቲ ጀነራል፣ ንኹሉ’ቲ ዝቐረብ ክስታት ነጺግዎ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0