ኤርትራ፣  ንነዊሕ ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዝጸንሐ ኢትዮጵያውያን እሱራት ተፈቲሖም

ኤርትራ፣ ንነዊሕ ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዝጸንሐ ኢትዮጵያውያን እሱራት ተፈቲሖም

Radio Erena: 25 October 2018

col_tadese mulunehኣብ ኤርትራ፣ ድሕሪ ምእሳሮም ንነዊሕ ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዝጸንሐ ኢትዮጵያውያን ተፈቲሖም።

ኣቐዲሙ፣ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ፓይሎት ኮለነል ታደሰ ሙሉነህ ክፍታሕ እንከሎ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ድማ፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኣስረ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ነጋ ተገኝ ተፈቲሑ ናብ ዓዱ ተፋንዩ ኣሎ።

ኢትዮጵያዊ ፓይሎት ኮለነል ታደሰ ሙሉነህ፣ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ከቢድ ስንክልና ስለ ዘጋጠሞ፣ ኣብ ሃገሩ ጽዑቕ ሕክምና ይካየደሉ ኣሎ።

እቲ ኣብራሪ ሚግ 23 ዝነበረ ኮለነል፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ካብ ስራሕ ድሕሪ ምብራሩ፣ ኣብ ኤርትራ ከም መምህር ኣብራሪ ኮይኑ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝቖመ ዕጡቕ ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ከም ሓላፊ ኮይኑ’ዩ ተመዚዙ።

እንተኾነ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ፣ ብዘይዝኾነ ክስን ፍርድን ንሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሩ።

ንሱ ንማዕከን ሓበሬታ ኢሳት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ብዘይዝኾነ መግለጺን ወግዓዊ ክስን ንሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብዘይዝኾነ መግለጺ ናብ ዓዱ ከምዘፋውዎ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሆስፒታል ተዓቝቡ ዝርከብ ኮለነል ታደሰ፣ ብዓረብያ ስንኩላን ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ተወሳኺ ሕክምና ንምርካብ ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ክገብርሉ ሓቲቱ።

ነቲ ኮለነል፣ ብቀረባ ካብ ዝከታተሉ ዘለዉ ሓካይም ብወገኑ፣ ጠንቂ እቲ ስንክልና፣ ንነዊሕ እዋን ክንቀሳቐስ ብዘይምኽኣሉ ኣብ መገጣጠሚ ኣካላቱ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕበጥን ረኽስን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ብዝግበረሉ ዘሎ ሕክምና ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ሓያሎ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈላለየ ክስታት ተኣሲሮም ደሃዮም ከምዝጠፍአ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ብዘይክስን ፍርድን ደቂ ሰብ ብምእሳርን ብምስቓይን ግኑን ስም ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብን ካልእ ምኽንያታትን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ሒዝዎም ዘሎ ኤርትራውያን’ውን ተመሳሳሊ ስቓይ የሕልፉ ከምዘለው ይጥቀስ።

ብዙሓት ካብኣቶም’ውን፣ ብሰንኪ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ስቓይን ከምኡ ድማ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ምርካብን፣ ግዳያት ስንክልናን ሞትን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0