“ኣብ ኣስመራ ግፋ ኣየካየድናን” ደምህት

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ኢትዮጵያ፣ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ፣ ደምህት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ግፋ ሰራዊትና ኢድ ኣይነበሮን ክብል ክሒድዎ።

 

ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንምጽራይ ምስ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ደምህት ኣብ ዘካየደቶ ሓጺር ቃለ ምልልስ፣ ህዝቢ ኣስመራ’ውን ደምህት ኣብ ግፋ ደቕና ተዋፊሩ ኢሉ ከምዘዕልል እቲ ኣባል ደምህት ብምርግጋጽ፣ እንተኾነ፣ ደምህት ናይ ባዕሉ ዕላማን ኣጀንዳን ስለዘለዎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ከምዘይተሳተፈ ከረድእ ፈቲኑ።

እቲ ስሙ ዓቒብናዮ ዘሎና ምስ ሬድዮ ኤረና ሓጺር ቃለ ምልልስ ዘካየደ ኣባል ደምህት፣ እቲ ህዝቢ ዝዛረበሉ ዘሎ ናይ ግፋ ጉዳይ፣ ደምህት ካብ ህዝቢ ንምንጻሉ ብጸላኢ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ’ዩ ክብል’ውን ነጺግዎ።

እንተኾነ፣ ኣባላት ናይቲ ብፍሉይ ሓይልታት ዝፍለጥ ሰራዊት ኤርትራ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዱ ከምዝቐነዩ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ኣብ ግፋን ካልእ ወትሃደራዊ ስርሒታትን’ውን ብሓባር ከምእተሳተፉ ኣረጋጊጾም።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0