ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ቀሓውታ፣ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ 10ታት ኣመንቲ ክርስትና ተቐይዶም

Radio Erena: 28 December 2016

Kahawta

መንግስታት ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ብምኽንያት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ንእሱራት ምሕረት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ከባቢ ቀሓውታ፣ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ 10ታት ኣመንቲ ክርስትና ከምዝቐየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ቀሓውታ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ፣ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ፣ ጾምን -ጸሎትን ዝገብሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን፣ ጫማታቶም ብምምንዛዕ፣ ጥራይ ኣእጋሮም ፒክ-ኣፕ ኣብ ዝዓይነታ መኪና ጽዒኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ስድራቤታት እቶም፣ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ ዝተቐየዱ ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና፣ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ይደልይዎም ከምዘለው ኣመልኪቶም።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብእኩብ ኣብ ጸሎት ንዝጸንሑ ኣመንቲ ዝተፈላለየ እምነታት ምቕያድ ንቡር ተእርዮ’ዩ።

እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጅን ሓድሽ ዓመትን ዝተፈጸመ ማእስርቲ ዜጋታት፣ መንግስታት ሃገራት ዓለም ብምኽንያት እዚ በዓላት፣ ኣሽሓት እሱራት ዜጋታቶም ብምሕረት ኣብ ዝፈትሕሉ ዘለዉ እዋን።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ እሱራት፣ መብዛሕቶም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ዘይተራእየን ሕጋዊ መስርሕ ዘይክተልን ብምዃኑ፣ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ይኹን ዝፍትሕሉ ዕለት ከይፈለጡ ንዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ስግረ ዶብን ካልእን ዝተቐየዱ፣ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሽሕ እሱራት ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0