ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዝርከባ ኣስታት 300 ናይ ብሕቲ ንግዳውያን ትካላት ይዕሸጋ

ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዝርከባ ኣስታት 300 ናይ ብሕቲ ንግዳውያን ትካላት ይዕሸጋ

Radio Erena: 13 December 2017

Asmara Roma

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብዝወስዶ ዘሎ ናይ ብሕቲ ትካላት ብኣልማማ ናይ ምዕሻግ ስጉምቲ፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዝርከባ ብውሕዱ 300 ትካላት ከምዝተዓጽዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እዚ ምዕጻው ከም ኣብያተ ሻሂን ካፈን፣ ቤት መግብን ሆቴላትን ከምኡ ድማ ኣብ ምልኣኽን ምስዳድን ዝነጥፋ ትካላት ምስ ምውናን ብዝሒ ባጤራ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ሸርፍን ዝተሓሓዝ ምዃኑ’ዩ ህዝቢ ግምታት ዝህበሉ ዘሎ።

ምዕጻው እዘን ትካላት ብዘይካ’ቲ ኣብ ቁጠባ ዝህልዎ ቀጥታዊ ሃስያ፣ ኣብዘን ትካላት ኣብ ስራሕ ተዋፍሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ስራሕ ምትራፎም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ብዛዕባ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ምዕሻግ ትካላትን፣ ህሉው ኩነታት ኣስመራን፣ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝነብሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብቴሌፎን ዝተኻየደ ሓጺር ቃለ መጠይቕ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0