ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ንሰለስተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ንሰለስተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 18 December 2014

uS Justice

ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ዝጸንሐ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ኤርትርዊ ሰለስተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ሃብቶም መርሓይ ዝተባህለ ወዲ 47 ዓመት ኤርትራዊ ምስ ካልኦት ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ብምትሕብባር ንሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብመንገዲ ሃገራት ላቲን ናብ ህቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዘእተወ’ዩ ተኸሲሱ።

እቲ ኣብ ዱባይን ካልኦት ሃገራትን እናተንቐሳቐሰ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኣብ ነሓሰ 2013 ኣብ ሞሮኮ ድሕሪ ምትሓዙ ንኣስታት ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ቀይዲ’ዩ ጸኒሑ።

 

ኣብ ሚያዝያ 2014 ናብ ኣመሪካ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምስግጋሩ ከኣ ኣብ መስከረም 2014 ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት ስለዝተኣመነ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንሰለስተ ዓመታት ክእሰር ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ብይን ኣሕሊፉ።

ሃብቶም መርሓይ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ 2010 ኣብ ዘካየዶ ዝነበረ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 14 ሽሕ ዶላር ይቕብለ ምንባሩ ከምዝተኣመነ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ብሰሉስ 16 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መንግስታት ጀርመንን ኢጣልያን’ውን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2014፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ 11 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

==================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0