ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ብዘሎ ግጭት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ብዘሎ ግጭት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ሓደ ሰብ ሞይቱ

Radio Erena: 31 December 2017

oromiኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ብዘሎ ግጭት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፣ ካልኦት ኣርባዕተ ከኣ ከምዝቖሰሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ወለጋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ብዓርቢ ዕለት 29 ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ 303 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ሻምቡ ኣብ ዝተባህለት ከተማ፣ መንእሰያት ብዘበገሱዎ ናዕቢ ከምዝተጀመረ ገሊጹ።

ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

እቶም መንእሰያት’ታ ከተማ፣ ሽኮር ዝጸዓነ ቃፍላይ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ እዋን፣ ካብተን መካይን ጽዕነተን ክዘምቱ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ግጭት ከምዝተላዕለ እቲ በዓል ስልጣን መንግስቲ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዋሕዲ ቀረብ ሽኮር ኣጋጢሙሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ዋሕዲ ዝናብ ዘስዓቦ’ዩ ክብል’ዩ መንግስቲ’ታ ሃገር ዝገልጽ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ’ዛ ንዛዝማ ዘለና ዓመት’ውን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተመሳሳሊ ናዕቢ ብምልዓሉ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ትማሊ 30 ታሕሳስ ንክልተ ኣባላት ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ በዪኑ።

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ግምባር ሓርነት ኦጋዴን ዝኾኑ እሱራት፣ ኣሕመድ ኣብዲ ን13 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ እንከሎ፣ ኣሕመድ መሓመድ ዝተባህለ ካልእ ክሱስ ከኣ ናይ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈርደሉ፣ ሺን ሁዋ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0