ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሻቕሎቶም ይገልጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሻቕሎቶም ይገልጹ

Radio Erena: 15 July 2018

 habereta nay sidetenatatኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተራእዩ ዘሎ ሃንደበታዊ ምዕባለታት፣ ሻቕሎቶም ይዓዝዝ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ‘ናይ ጣዕሳ ፎርም እንተመሊእኩም ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም’ ከምዝበሎም እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ውልቀሰባት ገሊጾም።

ኣብቲ ንከባቢ ቦሌ ዝርከቡ ብረቡዕ 11 ሓምለ፣ ኣብ ከባቢ ጎፋ መብራት ሃይል ኮንደሚንየም ዝርከቡ ብሓሙስ ዕለት 12፣ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ጆሞ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓርቢ ዕለት 13 ዝተኻየደሎም ኣኼባ፣ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ እንተዘይኮይኑ ግና ንዝኾነ ጉዳይ ንምስላጥ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተኸፍተ ናብኡ ከመልክቱ ተነጊሩዎም።

በዚ ዝተሰናበዱ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሃዲምና ናብኡ ንምለሰሉ ምኽንያት የብልናን ብምባል፣ ካብታ ሃገር ዝወጹሉ መንገዲ ድሮ ከናድዩ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ከምዘለዉ መዛግብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የገንዝቡ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0