ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ ግጭት ተጎሃሂሩ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ ግጭት ተጎሃሂሩ

Radio Erena: 16 October, 2014

Gambella

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ ድሮ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ዝተወልዐ ግጭት ኣብዚ ሰሙን እዚ ዳግም ተጓሃሂሩ።

ኣብቲ፣ ዓሌታት ኣኝዋክን መዣንግን ዝርከብሉ ከባቢ ጋምቤላ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ 30 ኣባይቲ ብሓዊ ከምዝተሃሞኸ ዘ ሪፖርተር የመልክት።

ኣብዚ ብሰኑይን ሰሉስ ከምዝተጎሃሃረ ዝግለጽ ዘሎ ግጭት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተሓተቲ ምዃኖም’ውን ጸብጻብ እታ ጋዜጣ ይሕብር።

 

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፍ ወርሒ መስከረም ኣብ ድሮ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቀትሉ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብቲ ግጭት ኢድ ከምዝነበሮም ዝተጠርጠሩ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝርከቦም 15 ሓላፍቲ ናይቲ ዞባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ተወላዶ ናይቲ ከባቢን ድሕሮም ናብቲ ከባቢ ዝመጹ ሰፋሮን ዝተበገሰኡ ኮይኑ ብምትእትታው ፖሊስን ኣባልት ጸጥታን ይጎሃሃር ምህላዉ’ዩ ጸብጻብ ሪፖስተር ዝጠቕስ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0