ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ፣ ኣብ ድሮ ቅዱስ ዮሃንስ 40 ሰባት ዝቐተለ ግጭት ተኻይዱ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ፣ ኣብ ድሮ ቅዱስ ዮሃንስ 40 ሰባት ዝቐተለ ግጭት ተኻይዱ

Radio Erena : 29 September, 2014

Gambella

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኻየደ ኣስታት 40 ሰባት ዝቐተለ ግጭት ኢድ ከምዝነበሮም ዝተጠርጠሩ 15 ሓላፍቲ ናይቲ ዞባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዘ ሪፖርተር ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቲ ኣብ ድሮ በዓል ቁዱስ ዮሃንስ ከምዝተጓሃሃረ ዝተገልጸ ግጭት፣ ኣብ ጋምቤላ፣ መዠንገር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ናይቲ ከባቢን ድሕሮም ናብቲ ከባቢ ዝመጹ ሰፋሮን ከምዝተኻየደ’ዩ ጸብጻብ ሪፖርተር ዝጠቕስ።

ነቲ ኩነታት ከተጻሪ ካብ ሰራዊት፣ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ዝተዋጸአት መርመሪት ጉጅለ፣ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ሓላፍቲ ናይቲ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከብ ምምሕዳር፣ ነቲ ግጭት ኣብ ምጉሁሃር ኢድ ከምዝነበሮም ስለዝጠርጠረት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኽኣሉ’ውን ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ብምጥቃስ እታ ጋዜጣ ኣመልኪታ።

 

መንነትን ዝነበሮም ሓላፍነትን ናይቶም ጥርጡራት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣዛዚ ፖሊስ ከባቢ መዠንገር ሓደ ካብኣቶም ምዃኑ ይግለጽ።

ተወላዶ እቲ ከባቢ ዘለዎም ጸገም ቅድሚ’ቲ ግጭት ንመንግስቲ ሓቢሮም እኳ እንተነበሩ፣ መንግስቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ እቲ ግጭት ከምዝተጎሃሃረ’ዮም ናይ ዓይኒ ተዓዘብቲ ዘመልክቱ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0