ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር፣ ብሪጣንያዊ በጻሒ ሃገር ተቐቲሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር፣ ብሪጣንያዊ በጻሒ ሃገር ተቐቲሉ

Radio Erena: 26 December 2014

Brkil

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ብህር ዳር፣ ብሪጣንያዊ በጻሒ ሃገር ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።

እቲ 51 ዓመት ዝዕድምኡ ብሪጣንያዊ በጻሒ ሃገር፣ መንነቱ ዛጊት ዘይተሓበረ ዕጡቕ ብዝተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቐትለ ዝጠቐሱ ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ፣ እቲ ቀታሊ ባዕሉ ናብ ፖሊስ ኢዱ ከምዝሃበ’ውን ሓቢሮም።

ነቲ ፍጻሜ ዘረጋገጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቅትለት ናይዚ ብሪጣንያዊ ንዋሕዚ በጻሕቲ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይጸልዎ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መንነት ናይቲ ቀታልን ዕላማ ናይቲ ዝፈጸሞ ቅትለትን ብዝርዝር እኳ እንተዘይሓበረ፣ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ገበን ከምዘይኮነ’ዩ ኣረድኡ።

 

ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ዲና ሙፍትን ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ግረግ ዶረይን በብወገኖም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከኣ እቲ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ ዝተፈጸመ ቅትለት በጻሒ ሃገር ንዝምድና ኢትዮጵያን ብሪጣንያን ብኣሉታ ከምዘይጸሉ ጠቒሶም።

ኣብ ከተማ ባህር ዳር፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብነበርቲ እታ ከተማ ተቓውሞ ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብቲ ተቓውሞ ሓደ ሰብ ክቕትለ እንከሎ ብውሕዱ ሸዓተ ሰባት ከኣ ከምዝቖሰሉ’ዩ ተሓቢሩ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0