ኣብ ኢትዮጵያ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ናይ ዘሎ ቁጽሪ ህዝቢ ናብ 9.4 ሚልዮን ክብ ኢሉ

Radio Erena: 28 November 2021
ኣብ ኢትዮጵያ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ናይ ዘሎ ቁጽሪ ህዝቢ ናብ 9.4 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብዓርቢ 26 ሕዳር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ናይቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዝደልይ ዘሎ ህዝቢ፣ ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ዝርከብ ከምዝኾነ ገሊጹ።
እቲ ቁጽሪ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ ናብ 9.4 ሚልዮን ክብ ዝበለሉ ምኽኒያት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ብምልሓሙ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብዚ ሰለስተ ዞባታት ዝርከቡ ህጻናት እቶም 28 ሚእታዊት ኣብ ናይ ዓጸቦ ደረጃ ክበጽሑ እንከለዉ፣ ልዕሊ 50 ሚእታዊት መርመራ ካብ ዝተገብረለን ጥኑሳትን ሓራሳትን ኣብ ዓጸቦ ወዲቐን ምህላወን፣ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጠቒሱ።
ብመሰረት’ቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት 2,200 ሜትሪክ ቶን ናይ መግቢ ረዲኤት ናብ ከተማ መቐለ ክበጽሕ እዩ።
እቲ ናብ ከተማ መቐለ ዝበጽሕ ረዲኤት፣ ናብ ካልእ ከባቢታት ንኽባጻሕ፣ ናይ መጎዓዝያን ነዳዲን ጸገማት ገና ይጽበዮ ከምዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣመልኪቱ።

 

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0