ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪተን ከመሓላልፋ ዝጸንሓ ኣርባዕተ ኣህጉራውያን ሜድያታት፣ መጠንቀቕታ ተዋሂቡወን

Radio Erena: 21 November 2021

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪተን ካብታ ሃገር ጸብጻብ ከመሓላልፋ ዝጸንሓ ኣርባዕተ ኣህጉራውያን ሜድያታት፣ ካብ መንግስቲ’ታ ሃገር መጠንቀቕታ ተዋሂቡወን።
በዓልስልጣን ሜድያ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኣሶሼትድ ፕረስ፣ ሮይተርስ፣ ሲ.ኤን.ኤንን ቢቢሲን ኣብ ዝሰደዶ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን እታ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ብሓፈሻን ዝህቦኦ ጸብጻባት፣ ርእይቶአን እንተዘይቀዪረን ናይ ስራሕ ፍቓደን ከሕድገን ምዃኑ ገሊጹ።
ዳይረክተር በዓል መዚ መዲያ ኢትዮጵያ መሓመድ ኢድሪስ መሓመድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እተን ኣርባዕተ ትካላት ሜድያ፣ ንሓይልታት ትግራይ ብምድጋፍ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍን፣ ንህወሓትን ዕላማታቱን ኣብ ምዕዋትን ተዋፊረን ኣለዋ ክብል ከሲሱ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ‘ጋዜጠኛታት’ዘን ትካላት ሜድያ፣ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብናጽነት እንዳተንቀሳቐሱ ጸብጻባቶም ከዳልዉ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሂቡዎም ክነሱ፣ ንሳቶም ግና ንሃገራዊ ረብሓ ዝጻረርን፣ ጸጥታ ሃገር ዝዘርግን ሓበሬታ ኣብ ምንዛሕ ተዋፊሮም ኣለዉ’ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝለዓል ጥራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሜድያን ቁጽሪ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ቀንዲ ረገጽቲ ናጽነት ሜድያ ዝበሃሉ መንግስታት ዓለም ገይሩዎ እዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0