ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ናይቶም ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰበስልጣናት ናብ 42 ክብ ኢሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ናይቶም ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰበስልጣናት ናብ 42 ክብ ኢሉ

Radio Erena: 30 July 2017

        ethio corruption ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ናይቶም ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰበስልጣናት ናብ 42 ክብ ከምዝበለ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

         ሺን ሁዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ ክሳብ ዓርቢ ዕለት 28 ኣብ ዝነበረ ግዜ 39 ሰበስልጣናት፣ ዓበይቲ ነጋዶን ደላሎን ዝርከብዎም ውልቀሰባት ክቕየዱ እንከለዉ ንጽባሒቱ ቀዳም ከኣ 3 ሰባት ከምዝተወሰኹ ኣመልኪቱ።

 

         ናይቶም ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዞም ከካብ ዝተረኽብዉ ክእሰሩ ዝቐነዩ 34 ሰባት ስም ዝርዝር ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን፣ ድሮ ተሓቢሩ’ኳ እንተሎ፣ ናይቶም ዝተረፉ ግና ገና ኣይተነግረን።

         ብመሰረት’ቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ኣብ ልዕሊ፣ ሰበስልጣናት መንግስቲ፣ ነጋዶን ደላሎን፣ ናይ ልዕሊ 592 ቢልዮን ብር ወይ ከኣ ልዕሊ 86 ሚልዮን ዶላር ተጠፋፊኡ ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት። ኤ.ፒ.ኤ. ኒውስ ብወገኑ እቲ ተጠፋፊኡ ዝተባህለ መጠን ገንዘብ ኣዝዩ ዝያዳ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ልዕሊ 58 ሚልዮን ዶላር ካብ ፈደራላዊ በዓልስልጣን ጽርግያ፣ ልዕሊ 51 ሚልዮን ዶላር ካብ ኮርፖሬሽን ሽኮር፣ 47 ሚልዮን ዶላር ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ቁጠባን፣ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዶላር ከኣ ካብ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጠፋፊኡ ከምዘሎ ሓቢሩ።

         ጠበቓታት ናይዞም ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት፣ ብዋሕስ ክወጹ ጥርዓን’ኳ እንተቕረቡ፣ ቤት ፍርዲ እኹል ጭብጥታት ክሳብ ዝእከብ፣ ነቲ ጥርዓን እንተወሓደ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

          ካብ ሚኒስትሪ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ እቲ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዝጸንሐ ብብልሽውና ናይ ዝጥርጠሩ ውልቀሰባት ናይ ምህዳን መስርሕ ገና ይቕጽል ስለዘሎ፣ ቁጽሪ ናይ ዝቕየዱ ዘለዉ ክዛይድ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0