ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ጎንደርን ደሴን ተኻይዱ።

    ኣብቲ ብሰንበት 14 ሓምለ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዝተሳተፉ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብክሲ ሽበራ ኣብ ቀይዲ የእትዎም ንዘሎ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክፍትሑ ብምጥላብ፣ መንግስቲ እታ ሃገር መሰል ዜጋታት ከኽብር ጸዊዖም።

    እቶም ኣሳእል ናይ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታን ፖለቲከኛታትን ከምኡ ድማ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ብምልዓል ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኢትዮጵያውያን፣ መንግስቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር፣ እናነሃረ ዝመጽእ ዘሎ መነባብሮ ምቁጽጻርን መግትእን ክገብረሉ’ውን ከምዝጸውዑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

    እቲ ኣብ ከተማታት ደሰን ጎንደርን ብሰንበት ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሓድነት ንደሞክራስን ፍትሕን ዝተወደበ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ካብ 1500 ኣይበዝሑን’ዮም ክብል እንከሎ፣ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደበ ሓድነት ንደሞክራስን ፍትሕን ድማ ኣብ ክልቲኡ ከተማታት ልዕሊ 20 ሽሕ ሰልፈኛታት ከምዝነበሩ’ዩ ዝጠቕስ።

    ኣቐዲሙ’ውን ብካልእ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝተወደበ 10ታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0