ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተሰሪሑ ንዝተባህለ መንበሪ ኣባይቲ ምፍራስ ኣብ ዝጅመረሉ፣ ፖሊስን ህዝብን ተጋጭዮም

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተሰሪሑ ንዝተባህለ መንበሪ ኣባይቲ ምፍራስ ኣብ ዝጅመረሉ፣ ፖሊስን ህዝብን ተጋጭዮም

Radio Erena: 18 August 2015

1000ethi

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ወላይታ ከባቢ ቦሎሶ ሶሬ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተሰሪሑ ንዝበሎ ኣማኢት መንበሪ ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብ ዝወሰነሉ፣ ህዝቢ ተቓውምኦ ንምርኣይ ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨወ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ግጭት ካብ ወገን ህዝብን ፖሊስን ፈኵሲን ከቢድን ጉድኣት ዝወረዶም ምህላዎም’ውን ኣገንዚቦም።

ምምሕዳር እቲ ከባቢ ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባቢ ተሰሪሑ ዝበሎ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሕ መንበሪ ኣባይቲ ክፈርስ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ምፍራስ ቅድሚ ምጅማሩ ህዝቢ ተቓውምኡ ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ከምዝወሓዘ’ዮም እቶም ምንጭታት ዝጠቐሱ።

 

ነዚ ፍጻሜ’ዚ ዘረጋገጸት ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ዘ ሪፖርተር ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ህዝቢ ናዕብን ዕግርግርን ብምፍጣር፣ ኣባይቲ ከተፍርሳ ንዝተላእካ ኣሃዱታት በእማን ከባርረን ድሕሪ ምጅማሩ፣ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ጎነጽ ከምዝተጠቕመ ኣረዲኣ።

ካብ ወገን ህዝብን ኣባላት እተን ኣባይቲ ከፍርሳ ዝተላእካ ኣሃዱታትን 30 ዝኾኑ ሰባት ከምዝቖሰሉ ዘረጋገጸ ኣማሓዳሪ ዞባ ወላይታ ኣቶ ኢዮብ ዋቴ፣ ነቲ ተቓውሞን ናዕብን ከምዝወደቡ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ’ውን ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ንምንጭታታት ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ግና ክሳብ 40’ዮም ዝበጽሑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ክልል ዞባ ወላይታ ከባቢ ቦሎሶ ሶሬ ንዝርከባ ከተማታት ናይ ምጥርናፍን ምስፋሕን መደብ ንምትግባር፣ ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተሰርሐ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሕ ኣባይቲ ከፍርሶ ከምዝወሰነ’ዩ ዝገልጽ።
============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0