ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ ኣስታት 320 ከምዝበጽሕ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 June 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ ኣስታት 320 ከምዝበጽሕ ዘ ጋርድያን ገሊጹ።

መንግስቲ ናይቲ ክልል፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ጊምቢ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ግጭት፣ 200 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ብዝሒ ግዳያት እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ‘ዘባህርር ፍጻሜ’ ክብ’ዩ ገሊጽዎ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ፣ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜና ተጻዋርነት ከምዘለዎ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣስሚርሉ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ሸኔ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፈጸሞ ምዃኑ መርበባት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ይወቕሳ።

እቲ ግንባር ብወገኑ፣ ነቲ ወቐሳ ብምንጻግ፣ ሓይልታት መንግስቲ ንዝወርዶም ዘሎ ስዕረት ንምኽዋል ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ምዃኑ የመልክት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ተወሳኺ ሰራዊት ኣዋፍሩ ምህላዉ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ኣንጸላልዩ ምህላዉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር የተሓሳስቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0