ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል፣ ኣማሓዳሪ ከባቢ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም

Radio Erena: 13 October 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤኒሻንጉል፣ ዞባ መተከል፣ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ኣምሓዳሪ ከባቢ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዶቸቨለ ንምንጭታቱ ካብቲ ከባቢ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ካብቶም ሰሉስ 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሓደ፣ ኣማሓዳሪ ከባቢ ማንዱራ፣ ሄስ ሂንጮ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ኣርባዕተ ድማ ኣባላት ሰራዊት ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።

እቲ ኣማሓዳሪ ምስ ኣባላት ሰራዊት ብምዃን ኣብቲ ከባቢ ብመኪና እናተጓዓዘ እንከሎ’ዩ፣ብዕጡቓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተኸፊትሎም።

ካልኦት ኣርባዕተ’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል፣ ብፍላይ ዞባ መተከል፣ ተደጋጋሚ ምፍራስ ጸጥታ ክርአ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተዛማዲ ጸጥታ ምስ ሰፈነ ካብ ናብን ናብቲ ዞባ ዘእቱ መንገድታት ክኽፈቱ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ድማ’ዩ ቅትለት ናይዚ ኣማሓዳርን ኣባላት ሰራዊትን ዝግለጽ ዘሎ።

ምስ ደቡብ ሱዳን ዘዳውብ ቤኒሻንጉል፣ ምስ ግብጺን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ ዝርከበሉ ክልል ኮይኑ፣ ሓደ ካብቲ ተኣፋፊ ጸጥታ ዘለዎ ከባቢታት ኢትዮጵያ’ዩ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0