ኣብ ኢትዮጵያ፣ ማእከል ጎንደር ዝተጎሃሃረ ግጭት  ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣሰሓሒቡ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ማእከል ጎንደር ዝተጎሃሃረ ግጭት ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣሰሓሒቡ

Radio Erena: 13 July 2016

Gonder

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ማእከል ጎንደር ብዝተጎሃሃረ ግጭት ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣሰሓሒቡ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ዝህቦ ዘለዉ መብርሂ፣ ካብ ክልል ትግራይ ዝተኣዘዙ ሓይልታት ጸጥታ ንምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ከይሓብሩ ኣብቲ ኣብ ጎንደር ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣብቲ ጉዳይ ብምእታዎም’ዩ ዘሰሓሕብ ዘሎ።

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣሰሓሒቡ ዘሎ ኣብ ጎንደር ዝተኸስተ ግጭት ምጽራይ ይገብረሉ ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ዜና ኣረዲኦም።

 

ኣብቲ ብ12 ሓምለ ኣብ ማእክለት ጎንደር ዝተኻየደ ግጭት ካብ ክልል ትግራይ ዝተላእኩ ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ብውህዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ግጭት ህዝቢ’ቲ ከባቢ ንሓንቲ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡስን ሓንቲ ናይ መንግስቲ መኪናን ከምዘቓጸለ ተፈሊጡ።

ጠንቒ’ቲ ኣብ ማእከል ጎንደር ዝተጎሃሃረ ግጭት ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

 

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭ

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0