ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትራይርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ገዳም ክኸዱ ዘቕረብዎ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ነጺግዎ

ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትራይርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ገዳም ክኸዱ ዘቕረብዎ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ነጺግዎ

Radio Erena: May 16, 2014

Abune Antonios

ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ካብቲ ተታሒዞምሉ ዘለዎ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዕጹው ገዛ ናብ ሓደ ካብ ገዳማት ክግዕዙ ንዘቕርብዎ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነጸጎ፣ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኦርቶክስ ንምንጭታቱ ገሊጹ።

እቲ መርበብ፣ ሓድሽ ስእሊ ናይቶም 87 ዓመት ዕድመ ጌሮም ከምዘለዉ ዝንገረሎም ኣቡነ እንጠንዮስ ብምስናይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቶም ፓትርያርክ ጥዕንኦም ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብ ብምጥቃስ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣውራ ዘተሕእሳስቦም ዘሎ ጉዳይ ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ሰዓታን ምዃኑ ከምዝተዛረቡ’ውን ኣመልኪቱ።

ሓደ ካብ እሙናት ሰዓብቲ እቶም ፓትርያርክ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናብቲ ተሓይሮምሉ ዘለዉ ዕጹው ገዛ ክበጽሖም ከምዝኸኣለን ነዚ ሓድሽ ስእሊ ድማ ብ ሞቢላይ ክወስዶ ከምዝኽኣለን’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ በተወሳኺ ጠቒሱ ኣሎ።

 

መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኤርትራ ብውጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ብውሳኔ ህግደፍ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትም ድሕሪ ምእላይ፣ ህግደፍ ሕጊ ቤት ክርስትያን ብምጥሓስ ኣብ ክንድኦም ንኣቡነ ዲዮስቖሪስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ጀነራላትን ሚኒስተራትርን ኣብ ዝተረኽብሉ ከምዝሸሞም ኣይርሳዕን።

ብህግደፍ ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቖሮስ፣ ብሰንኪ ወቕዒ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ኣጋጢምዎም ከምዘሎ’ውን ዝፍለጥ ኮይኑ ሱዳን ካብ ዝርከብ ሕክምና ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሶም፣ ብምኽንያት ፋሲካ ሓጺር መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ከምዝኸኣሉ ይፍለጥ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0