ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ሓጅ (መካ) 1300 ሰባት ሞይቶም

RADIO ERENA – Wednesday, 26 June 2024

ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ሰንበት ብዝሃበቶ መግለጺ መሰረት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ሓጅ ልዕሊ 1300 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጻ።

እቲ ዘጋጠመ ሞት ኣማኢት በጻሕቲ ንግደት ሓጅ ብሰንኪ ጸቕጢን ሙቐትን ምዃኑ ተገሊጹ።

83% ካብቶም ዝሞቱ “ንግደት ሓጅ ንምፍጻም ፍቓድ ዘይብሎም” ምዃኖምን፡ መጽለሊ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ሙቐት ናይ ጸሓይ ነዊሕ ርሕቀት ብእግሪ ክሳብ 2 ሰዓታት ዝኣክል ከምዝተጓዕዙ ተገሊጹ።

ኣብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ሓያሎ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ውልቀሰባት ከምዝነበሩ ዝሓበረ ጸብጻብ ሲኤንኤን ፡ ስድራቤት ኩሎም ዝሞቱ ተለልዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ማእከል በጻሕቲ ሓጅ ዝኾነት ከተማ መካ፡ ትማሊ ሰኑይ ልዕሊ 51ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝተመዝገበ ክብረወሰን ዝሓዘ ሙቐት ምንባሩ ተገሊጹ።

ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ከምዝገለጽዎ እቲ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ብዘይወግዓውያን ትካላት ኣሳለጥቲ ንግደት ከምዝተጋደደ ገሊጾም።

ናብ መካ ብሕጋዊ መንገዲ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣሽሓት ዶላራት ወጻኢታት ከም ዝሓትት ዝፍለጥ ኮይኑ ብዙሓት በጻሕቲ ግን ነቲ ንግደት ብዝሓሰረ ንምፍጻሙ ጉዳያቶም ብዝይሕጋውያን ትካላት ከም ዘሳልጡ ተሓቢሩ።

እዘን ትካላት መብዛሕትኡ ግዜ መዝሓሊ ዘለወን ዝተወደባ ናይ ዑደት ኣውቶቡሳት ይኹን ቀረብ ማይን መግብን ከምዘይብለን ተገሊጹ።

እቶም ወግዓዊ ዑደት ዝገብሩ ኣመንቲ እውን ከይተረፉ፡ ዝበዝሕ ግዚኦም ኣብቲ ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ደገ እናተጓዕዙ እዮም ዘሕልፍዎ።

ገለ መሰኻኽር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ መንገዶም ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ብዙሓት ኣመንቲ ከም ዝረ ኣዩን ጻዕዳ ጨርቂ ዝተሸፈኑ ሬሳታት ከምዝሓለፉን ገሊጾም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0