ኣብ ናይሮቢ ብዝተኻየደ ግጭት ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ናይሮቢ ብዝተኻየደ ግጭት ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 19 November 2017

kenya admaኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋን ፖሊስን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣሶሼትድ ፕረስ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ብዓርቢ 17 ሕዳር ዝተኻየደ ግጭት ራይላ ኦዲንጋ ካብ ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዑደቱ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ ክቕበልዎ ንዝምርሹ ዝነበሩ ደገፍቱ፣ ሓይሊ ፖሊስ ክብትኖም ኣብ ዝፈተነሉ እዩ ተላዒሉ።

ኣብቲ ግጭት ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ድሕሪ ምትኳሶም ናይ ሓቂ ጠያይት ክጥቀሙ ብምጅማሮም ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎድኡ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እንተኾነ ኣዛዚ ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ናዕበኛታት ንብረት ውልቀሰባት ክዘምቱ ድሕሪ ምጅማሮም ዝተቖጡዑ ወገናት እዮም ጉድኣት ኣውሪዶሙሎም ኢሉ።

እንተኾነ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ጸብጻባት፣ እቶም ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ናይ ጥይት መጉዳእቲ ከምዝነበሮም፣ ካልኦት ሓያሎ እውን ቆሲሎም ናብ ሕክምናታት ተወሲዶም ብምህላዎም ቁጽሪ ምዉታት ክብ ክብል ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ራይላ ኦዲንጋ ካብ መገሹኡ ኣብ ዝተመልሰሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንደገፍቱ መግለጺ ክህብ ንዝወጸ መደብ፣ ፖሊስ ከተማ ናይሮቢ ነቲ መደብ ከምዘይቅበሎን፣ ዝኮነ ምትእኽኻብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዘየፍቅድን ገሊጹ’ዩ።

ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ስዒቡ ዝተወለዐ ቅልውላው መግለጺ ንምሃብ ሕጹይ ተወዳዳሪ ራይላ ኦዲንጋ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዑደት ከምዘካየደ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ተጣበቕቲ መሰላት ኬንያ፣ ነቲ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወሰዶ ስጉምቲ ይኹንኑ። ፖሊስ ኬንያ ንቅዋም’ታ ሃገር ብምኽባር ኣብ ክንዲ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝሕልው፣ ናይ ሓደ ወገን ጸግዒ ኮይኑ መጥቃዕቲ ብምውራዱ፣ ዋላ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ’ውን ዝኾነ ተቓውሞ ስለዘይተሰምዐ፣ መሰል ምእካብን ሓሳብካ ምግላጽን ተረጊጹ ኣሎ ክብሉ ቃሎም የስምዑ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ድሕሪ ምንጻጉ ብዝተላዕለ ግጭት፣ ዛጊት ልዕሊ 70 ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0