‘ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ሰብ ይመውት ኣሎ’ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

Radio Erena: 14 November 2021

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ሰብ ይመውት ኣሎ ክብል ገሊጹ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘እቲ መግብን መድሃኒትን ብሜላ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ኣሎ፣ ብሰንክኡ ከኣ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ’ሎ’ ክብል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ።
ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኑ’ ብምባል ንዘቕረበሉ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ከምዘይሕዝ ምፍላጡ ይዝከር።
ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ትግራይ 80 ሚእታዊት ናይ ቀረብ መድሃኒት ሕጽረት ኣጋጢሙ ኣሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት ተቛሪጹ ስለዘሎ፣ እኹል ጸብጻብ ንምግባር እውን ኣይተኻእለን ዝብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ልዕሊ 364 ናይ ረዲኤት መግብን መድሃኒትን ዝጸዓና መካዪን ተዓጊተን ከምዘለዋ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ርክብ ኔሩዎም ብዝብል ክሲ፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤትን መራሕቲ ናይ ረዲኤት መካይንን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ እዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0