ኣብ ትግራይ፣ ከባቢ ግርሁ ስርናይ ዝተጻወደ ነታጕ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ትግራይ፣ ከባቢ ግርሁ ስርናይ ዝተጻወደ ነታጕ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 28 July 2016

tso

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ከባቢ ግርሁ ስርናይ ብናይ ነታጕ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ዛጊት ነቲ ህይወት ሓሙሽተ ኢትዮጵያውን ዘጥፈአ ነታጕ ብምጽዋድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ግርሁ ስርናይ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ዘጻወድዎ ክኸውን ከምዝክእል ሓያሎ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

ግዳያት እቲ ብቅድሚ ትማሊ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጕ ኣብ ሓንቲ ኣምቡላስን ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት’ዮም ክብል’ውን ጸብጻብ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ የመልክት።

 

ብዛዕባ’ቲ ብነታጕ ዘጋጠመ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ጎንደር ዝተጎሃሀረ ግጭት ሃዲእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኦሮምያ’ውን ሓድሽ ግጭት ይርአ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብ ኢትዮጵያ ይሕብሩ።

እዚ ኣብ ክልል ኦሮሞ ጸጸኒሑ ዝባራዕ ዘሎ ግጭታት መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ዞባ ዝተወልዐ ናዕቢ ህዝቢ ኦሮሞ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ናዕቢ ኣስታት 400 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣሽሓት ከኣ ከምዝተኣስሩን ኣህጉራውያን ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ እንከለዉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና እቲ ቁጽሪ ተጋኒኑ ክብል’ዩ ነጺግዎ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንክልል ኦሮሞ ካብ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምንጻል ክንቐሳቀሱ ጸኒሖም ንዝበሎ 17 ሰባት ከሲሱ ከምዘሎ’ውን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ናይዚ ሰሙን እዚ ሕታማ ኣስፊራ ኣላ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0