ኣብ ቤት ት. ሰላም ናይ ተቓውሞ ጽሑፋት ተራእዩ

ኣብ ከረን ቤት ትምህርቲ ሰላም፣ ኣብ መናድቕ ናይቲ ክፍልታት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ውልቀ መላኺ’ዩ ዝብል ብቛንቋታት ትግርኛ እንግሊዝኛን ብኩርሽ ተጻሒፉ ከምእተራእየ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ቤት ትምህርቲ ሰላም ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብምዃና መብዛሕቶም ተማሃሮኣ ትሕቲ ዕድመ  ደኣ ይኹኑ እምበር፣ ኣብ መናድቕን ሰሌዳን ናይ ክልተ ክፍልታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውልቀ መላኺ’ዩ፣ ‘ኢሳይያስ ኢዝ ኤ ዲክታቶር’ ዝብል ጽሑፋት ብደሚቕ ከምእተጻሕፈ እቶም ንሬድዮ ኤረና ቃሎም ዝሃቡ ወገናት ኣረጋጊጾም።

    ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰላም፣ ትሕቲ ዕድመ ምስ ምዃኖም ነቲ ኣብ መናድቕን ሰሌዳን ተጻሕፉ ዝጸንሐ ጽሑፍ፣ መማህራን ዝጸሓፍዎ ክከውን ከምዝኽእል’ውን ግምታት ኣሎ።

    እንተኾነ፣ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ካብ ቆልዑ’ውን ዝተሰወረ ስለዘይኮነ፣ ተማሃሮ ዝጸሓፍዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ሳሕቲ ኣብ ከተማታት ኣስመራ፣ ባጽዕን፣ ከረንን ኣብ ኣብያተ ትምህርን ካልእ ጎደናታትን ንመንግስቲ ዝቓወም ጽሑፋት ተለጢፉ ወይ ተጻሒፉ ከምዝርአ ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0