ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ በዳሂ ቅድድም ብሽክለታ ዝተሳተፉ ክልተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ውድድሮም ክፍጽሙ ኣይከኣሉን

ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ በዳሂ ቅድድም ብሽክለታ ዝተሳተፉ ክልተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ውድድሮም ክፍጽሙ ኣይከኣሉን

Radio Erena : 29 September, 2014

natmek

ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ዮሮፕ ካር ተጸንቢሩ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ካብታ ፈረንሳዊት ክለብ ከምዝተሰናበተ ማዕከናት ዜና ስፖርት ገሊጸን።

እቲ ብደረጃ ፕሮፌሽናል ንክልተ ዓመታት ምስታ ኣብ ኤውሮጳ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ክለባት ቅድድም ብሽክለታ ዝኾነት ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕካር ኮይኑ ዝተቐዳደመ ናትናኤል ብርሃነ፡ ካብታ ፈረንሳዊት ክለብ ድሕሪ ምስንባቱ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ 2015 ጀሚሩ፡ ማልያ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ ለቢሱ፡ ክወዳደር ትጽቢት ኣሎ።

 

ምጽንባር ናትናኤል ብርሃነ ናብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ፍረቃልሲ ደበሳይን ወሲኽካ፡ ንቁጽሪ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ’ታ ጋንታ ናብ ኣርባዕተ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ናይ 2014 ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖ ሜትር ኤርትራ ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነ፡ ተዓዋቲ ዙር ቱርኪ 2013፡ ተዓዋቲ ዙር ጋቦን 2014ን ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2011 ከምኡ’ውን 2012 ብምዃን ዓበይቲ ክብርታት ዝለበሰ ተቐዳዳማይ እዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ብተቐዳምቲ ናትናኤል ብርሃነን መኽሰብ ደበሳይን ተወኪላ፡ትማሊ ሰንበት 28 መስከረም 2014፡ ኣብ ከተማ ፖንፌራዳ ስጳኛ፡ ኣብ ዝተኻየደ 254.8 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ዓለም ተወዳዲራ።

ኣብ’ቲ ሽዱሽተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ቅድድም፡ ፖላንዳዊ ማይክል ክዊያትኮውስኪ ቀዳማይ ብምውጻእ ሻምፕዮን ዓለም ክኸውን ከሎ፡ ናትናኤልን መኽሰብን ግን፡ ውድድሮም ክፍጽሙ ኣይከኣሉን።

ኣብዚ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ በዳሂ ቅድድም ብሽክለታ ካብ ዝተፈለያ ሃገራት ካብ ተወኪሎም ኣብ መስርዕ ቅድድም ካብ ዝቐረቡ 204 ተቐዳደምቲ፡ ነቲ ቅድድም ክፍጽምዎ ዝኸኣሉ 95 ጥራይ እዮም።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0