ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንኣገልግሎታት ኤምባሲ ዝኽፈል ገንዘብ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኮይኑ ይብሉ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንኣገልግሎታት ኤምባሲ ዝኽፈል ገንዘብ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኮይኑ ይብሉ

Radio Erena: 13 January 2015

Er Em

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ንኣገልግሎታት ኤምባሲ ኤርትራ ዝኸፍልዎ ዘለዉ ገንዘብ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እናኾነ ከምዝመጸ ገሊጾም።

እቶም ብዛዕባ ኣሰራርሓ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምምራር ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽቲ ዝሰደዱ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ብፍላይ እቶም ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ኣባላት ዘለውዎም ስድራቤታት፣ ንመሐደሲ ፓስፖርት፣ ንመንነት ወረቐት፣ ብግዴታ ንዝኽፈል ክልተ ካብ ሚእቲ፣ ብስም ወፈያን መኸተን ካልእን ብግዴታ ንዝግበር ክፍሊታት ብድምር ኣብ ዓመት ክሳብ 10 ሽሕ ሪያል ስዑዲ ዝኸፍልሉ እዋናት ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።

ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ኤርትራዊ ብዘይካ’ቲ ብግዴታ ክኸፍሎ ዘለዎ ምስሳን ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት፣ ክልተ ካብ ሚእቲን ካልእን ንመሐደሲ ፓስፖርት 750 ርያል ወይ ድማ 200 ዶላር’ዩ ዝኸፍል።

 

ናይ መብዛሕትኡ ዓለም ፓስፖርት ኣብ 5 ዓመት ወይ ከኣ ኣብ 10 ዓመት ክሕደስ እንከሎ ናይ ኤርትራ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት’ዩ ዝሕደስ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብፓስፖርት ናይ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ዓይነት ሰነዳት ምንቅስቓስን ምንባርን ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ኤርትራውያን፣ ከም ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዑቕባን ካልእን ዕድላትን እንተዝነብሮ፣ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ነቲ ኤምባሲ ምጠንጠንዎ ክብሉ’ውን ኣስሚሮም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኩነታቶም ብምምዝማዝ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኤምባሲ ዘይሕጋዊ ናይ ባንክን ሓዋላን ኣገልግሎታት ከምዝህቦም’ውን ኣረጋጊጾም።

ኣብታ ሃገር ዝርከብ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝውነን ቤት ትምህርቲ ማሕበረ ኮም’ውን ብግዴኡ፣ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣብ ዓመት 250 ርያል ክፍሊት ከምዘኽፍል ብምጥቃስ ነቶም ብዝሒ ስድራ ዘለዎም ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ተወሳኺ ጾር ኮይንዎም ምህላው ኣገንዚቦም።

ማእከላይ ገማም ወርሓዊ እቶት ናይ ሓደ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ኤርትራዊ ካብ 1700 ክሳብ 2000 ርያል ዝበጽሕ ኮይኑ ክልተ ካብ ሚእቲ ናይዚ ኣታዊ ናብ ኤምባሲ ክኸፍልዎ’ዮም ዝግደዱ።

እቶም ኣብ ምጽራግ ዓይኒ ምድሪ ዝተዋፈሩ ቦጣት ዝውንኑ ሸፋጣ ከኣ፣ ዝሓሸ ኣታዊ ዘለዎም ኮይኖም፣ እቲ ኤምባሲ ኣታዊታቶም ብልክዕ ክፈልጦ ስለዘጸግሞ፣ ነፍሲ ወከፎም ብዝውንንወን ብዝሒ ቦጣት ክልተ ካብ ሚእቲ ከምዝኸፍሉ’ዩ ዝሕበር።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0