ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ወዲብካ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ንሞት ተፈሪዱ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ወዲብካ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ንሞት ተፈሪዱ

Radio Erena: May 30, 2014

Saudi

ኣብ 2011 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዓዋምያ ኣብ ዝተባህለት ኣመንቲ ሽዓ ኣብ ዝነብሩላ ቁሸት ንዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወዲብካ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ንሞት ከምዝተፈርደ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እቲ ዓሊ መሓመድ ባቒር ኣል ኒምር ዝተብሃል መንእሰያይ፣ እቲ ተቓውሞን ናዕብን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ወዲ 17 ዓመት ስለዝነበረ፣ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐረብ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመን ቆልዑን ቤት ማእሰርቲ’ዩ ጸኒሑ።

20 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ድማ፣ እቲ መንእሰያት በቲ ኣብ 2011 ኣብ ዞባ ቓጢፍ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወዲብካን ኣለዓዒልካን ተባሂሉ፣ ብንግስነት እታ ሃገር ንሞት ተፈሪዱ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሪዳ ኣል ሩብህ ዝተባህለ ወዲ 26 ዓመት፣ ብተመሳሳሊ ክሶ ንሞት ተፈሪዱ ኣሎ።

 

ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2011 ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ግጭት ከምዝተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ 900 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።

እቶም ኣስታት 300 ካብኣቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንቲ ካብተን ሰለማዊ ሰልፍታት ዘይፈቅዳ ሃገራት ድኣ ትኹን’ምበር፣ ነዚ ጽኑዕ ሕጊ’ዚ ብምጥሓስ ብመንእሰያት ዝተወደበ ናዕቢ ኣብ 2011 ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ከምዝተወልዐ ይዝከር።

እቲ ብኣመንቲ ሺዓ ዝተዓብለለ ዞባ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ካብቲ ተኣፈፍቲ ተባሂሉ ዝግለጸ ክፋል ስዑዲ ዓረብ’ዩ።
========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0