ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተራእየ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ (MERS) ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይልሕም ጥንቓቐታት ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተራእየ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ (MERS) ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይልሕም ጥንቓቐታት ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: May 15, 2014

mers

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተላቢዑ ዘሎ ቫይረስ ስርዓተ ምስትንፋስ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይልሕም ጥንቓቐታት ክግበር ሰብ ሞያ ጥዕና ጸዊዖም።

እቲ ብነድሪ ስርዓተ ምስትንፋስ ማእከላይ ምብራቕ ወይ ድማ MERS ( Middle East Respiratory Syndrome) ዝግለጸ ዘሎ ተላባዒ ሕማም፣ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ስዑዲ ዓረብ 147 ሰባት ቀቲሉ ቀቲሉ ኣሎ።

በቲ ቪይረስ ዝተለኽፉ 491 ሰባት ድማ ጽኑዕ ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ኣሎ።

 

እቲ ኣብ በረኻታት ስዑዲ ዓረብ ከምዝተኸስተ ዝግለጽ ዘሎ ሓድሽ ተላባዒ ሕማም፣ ብምስትንፋስ ከምዝተሓላለፍ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ተወሳኺ መርመራ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ሓሙሽተ ስዑዳውያን በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ሲ.ቢኤ.ስ ድማ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኣመሪካ ዝገሸ ስዑዳዊ’ውን በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከምዝጸንሐ ከምዝተረጋገጸ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጥዕና ስዑዲ ዓረብ’ውን እቶም ግዳያት እቲ ቫይረስ ካብ ከተማታት ርያድ፣ ምዕራባዊ ጅዳን መዲናን ምዃኖም ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝበኣሰ ክላባዕ ዝኽእል ቫይረስ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይመሓለለፍ ካብን ናብን እታ ሃገር ኣብ ዝካየድ መገሻታት ልዑል ጥንቓቐን መርመራታትን ክግበር እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣዘኻኺሮም።

እቲ ቫይረስ ፈለማ ኣብ 2003 ከምዝተራእየ’ዩ ዝግለጽ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0