ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ማእሰርቲን ሕማቕ ኩነታትን ዝጸንሑ 297 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም

Radio Erena: 09 October 2020

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ማእሰርትን ካልእ ሕማቕ ኩነታትን ካብ ዝጸንሑ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ እቶም 297 ትማሊ 8 ጥቅምቲ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ተሓቢሩ።

ካብቶም ተመለስቲ እቶም 25 ህጻናት ምዃኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያንውያን ዘለውዎ ሕማቕ ኩነታት ብማሕበራዊ ሜድያ ክዝርግሑ ጸኒሖም’ዮም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓዶም ዝወደቐን ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ማእሰርቲ ብምእታው ነናብ ዓዶም ክትሰጎም ምስ መንግስታቶም ኣብ ዝርርብ’ያ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ሚኒስትሪታት ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከምዝተዘራረቡ ዝዝከር’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0