ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓደ ኤርትራዊ ሞይቱ

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓደ ኤርትራዊ ሞይቱ

Radio Erena: 20 November 2014

Fire Geneve

ኣብ ስዊዘርላንድ ከባቢ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ስደተኛታት ዝጸንሕሉ ብልምዲ ‘ፋየ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓደ ኤርትራዊ ሞይቱ።

በቲ ናብ ሰኑይ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ቨርን ጀነቫ ዝርከብ መጽንሒ ስደተኛታት ዘጋጠመ ባርዕ፣ 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን’ውን ብኸቢድን ፎኪስን ቆሲሎም።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ ከባቢ ሓሊብመንተል፣ እድርባ ካብ ዝተባህለት ዓዲ ዝመጸ ወዲ 29 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብመንገዲ ሊብያ ኣቢሉ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብቲ ቦታ ዝኣተወ ምዃኑ ነዚ ሓበሬታ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹ ኣፍሊጦም።

 

ሬሳይ ናይቲ ስሙ ንግዜኡ ዓቒብናዮ ዘሎና ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ምህላዉ ኣረጋጊጾም።

እቲ ቦታ ፖለቲካዊ ሕቶ ዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ ብግዝያውነት ዝጸንሕሉ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ብሓደጋ ሞይቱ ዘሎ ኤርትራዊ ግና ቦታ ስለዝተሳእኖ’ዩ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ‘ፋየ’ ክጸንሕ ተገዲዱ።

ፖሊስ እታ ሃገር ጠንቒ እቲ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዝነጸገሞ ስደተኛታት ኮነ ኢሎም ዘባርዖ ክኸውን ከምዝክእል ይግመት።

ጠንቒ ሞት እቲ ኤርትራዊ’ውን ድሕሪ’ቲ ባርዕ ዝልሓዅ ጋዝ ምዃኑ ይንገር።

ብዘይካ’ቲ ኤርትራዊ ካልእ ዜግነቱ ዘይተሓበረ ስደተኛ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከምዝሞተ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ ቦታ ኣቐዲሙ’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይግለጽ።

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብዚ ዓመት’ዚ 22 ሽሕ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የመልክታ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0