ኣብ ስነ ስርዓት መመረቕታ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ንምስታፍ፣ መራሕቲን ሰበ ስልጣንን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ሞቛድሾ ኣትዮም

Radio Erena: 09 June 2022

ሎሚ ሓሙስ 09 ሰነ ኣብ ዝካየድ ወግዓዊ ስነ ስርዓት መመረቕታ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ንምስታፍ፣ መራሕትን ሰበ ስልጣን ሓያሎ ሃገራት ናብ ሞቛድሾ ኣትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንታት ጂቡቲን ኬንያን ኣብቲ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ምዃኖም ዘረጋገጸ መርበብ ዜና ጋሮወ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ፣ ቱርኪን ባሕረይንን’ውን ክርከቡ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ካልኦት ሃገራት፣ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን’ውን ብኣምባሳደራተንን ወከልተን ክሳተፋ’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ምስ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ጥቡቕ ዝምድና መስሪቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ፣ ስነ ስርዓት ምምራቕ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ከምዘይሳተፍ ጸብጻብ ጋሮወ ይእምት።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ወኪሉ ብዛዕባ ክልእኽ ምዃኑ’ውን ኣይተፈልጠን።

ኣብቲ ኣብ ሶማል ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ኣብ መስርሕ ደሞክራሲን ምስግጋር ውሑስ ስልጣንን እናተባህለ ዝተነግረሉ፣ ኣብ 15 ግንቦት ዝተኻየደ ምርጫ ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ ሓድሽ ፕረዚደንት ከምዝተሸመ ይፍለጥ።

መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦትን፣ ነቲ ሓድሽ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ክልእካሉ እንከለዋ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብስቕታ ከምዝሓለፎ ይፍለጥ።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ነበር፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ብ23 ግንቦት ኣብ ዝተረከበሉ፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ብዝቐልጠፈ ናብ ዓዶም ክመልስ ምዃኑ’ዩ ቃል ኣትዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0