ኣብ ሱዳን ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 17 December 2020

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ፈይሰል ቢን ፋርሓን ኣል ስዑድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ፣ መልእኽቲ ንጉስ ሳልማን ከምዘብጽሐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ከምዝተመያየጡ እንተዘይኮይኑ፣ ዝዘተዩሉ ነጥብታት ኣይተጠቕሰን።

ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ’ዩ ብ15 ታሕሳስ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ድማ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሱዳን፣ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን፣ እዋናዊ ኩነታት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝምድና ምስ እስራኤልን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝተመያየጡ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ወዲ 46 ዓመት፣ ፈይሰል ቢን ፋርሓን ኣል ስዑድ፣ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ክኸውን ብንጉስ ሳልማን ተረቑሑ።

ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ ድማ እዚ ናብ ሱዳንን ኤርትራን ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዑደቱ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0