ኣብ ሱዳን ካብ ዝተወልዐ ኵናት ዝሃደሙ ኤርትራውያን፣ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢ መተማ ይከላበቱ ኣለዉ

Radio Erena: Sunday, 18 June 2023

ኣብ ሱዳን ካብ ዝተወልዐ ኵናት ዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ፣ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ከባቢ መተማ ይከላበቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ካብኦ ቦታ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ዶብ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ዝተፈልየ መዓስከር ከሰጋግርዎ እኳንተደለዩ፣ እንተኾነ እቶም ኤርትራውያን ማዕረ ሱዳናውያን ክርኣዩን ብቀጥታ ክሓልፉ ከምዝደልዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቕስ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኣብ ዶብ ሱዳን ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ናብቲ ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝርከብን ድሕነቱ ዘይተሓለወን መዓስከር ኣለም ዋጭ ከሰጋግሮም ከምዝኽእል ‘ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ‘ቶም ኤርትራውያን፣ ብቀጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምስጋር፣ ምስ ስድራቤታቶምን መቕርቦምን ክጽንበሩ ከምዝደልዩ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሓደ ሓደ ካብኣቶም ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ፣ ካብ ዶብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብቀጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘበጻጽሑ ዘይሕጋውያን ደላሎን ኣሰጋገርቲን ክሳብ ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ነቶም ኤርትራውያን ይሓትዎም ከምዘለዉ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0